ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹላ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 17 ክሳብ 24 መስከረም 2017 ኖርወይ ኣብ እተአንግዶ መበል 90 ኣህጉራዊ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ንእትሳተፍ – ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትማሊ 9 መስከረም ተቐቢሉ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹላ።

ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት ምፍናው፡ ኣሰልጣኒ ናይታ ሃገራዊት ጋንታ ኣቶ ሳምሶን ሰለሙን፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ደሊቦምዎ ንዘለዉ ብቕዓት ብሓፈሻ፡ ነዚ ውድድር’ዚ ንዝተገብረ ምድላዋት ድማ ብፍላይ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ዝምዝገብ ዘሎ ዓወታትን ተበጺሑ ዘሎ ደረጃን፡ መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ጽላት ስፖርት ብሓፈሻ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ ዝገለጸ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ውድድራት ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክብ ንኽብል – ገና ሓያል ስራሕ ከምዘድሊ ጠቒሱ፡ ኣብ ኣስመራ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ብደረጃ ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን ተካእቲ ንምምልማል ብዝሓየለ ክስራሕ

ኣተሓሳሲቡ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ብወገኑ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር፡ ኤርትራ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት 5 ተቐዳደምቲ ከተሳትፍ ምኽኣላ፡ መርኣያ ናይ’ቲ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምዃኑ ብምሕባር፡ ንተቐዳደምቲ ዓወት ተመንይሎም።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣቶ ሳምሶን ሰለሙንን ተቐዳደምቲ መኽሰብ ደበሳይን ዘመንፈስ ሰለሙንን፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ምድላዋቶም ኣጻፊፎም፡ ዓወት ሒዞም ክምለሱ ዘለዎም እምነት ብምግላጽ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበርዎ ርክብ ድርብ ሓላፍነት ከም ዘሰክሞም ገሊጾም።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣህጉራዊ ውድድር፡ ኣብ ናይ ዓበይቲ፡ ተቐዳደምቲ ናትናኤል ብርሃነ፡ መኽሰብ ደበሳይ፡ ሜሮን ተሾመን ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን፡ ኣብናይትሕቲ23ዓመትድማ ተቐዳደምቲ ሜሮን ኣብርሃም፡ ዓወት ሃብቶም፡ ዘመንፈስ ሰለሙን፡ መሓሪ ተስፋጽዮንን ሳይሞን ሙሴን ንኤርትራ ወኪሎም ክሳተፉ እዮም።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ትሳተፍ ዘላ – ሎሚ ዓመት ንካልኣይ ግዜኣ እዩ።