ዙር ኤርትራ 2017 : ብዓወት ኤርትራውያን ተዛዝሙ

ሎሚ ካብ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ብዝተዘርግሐ ናይ 107ኪመ ዘመንፈስ ሰለሙን ካብ ሃገራዊት ጋንታ ተዓዊቱ 2ይ ጃን ክለውደ ኡዊዘየ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ🇷🇼 3ይ ጃን ቦስኮንሰንጊማና ሃ.ጋ.ርዋንዳ 🇷🇼

ዘመንፈስ ምስ ኡ ንዝነበሩ 2 ርዋንዳያን ብሓያል ስካቶ ቆሪጹ’ዩ ብዘይ ተቓጻጺ ኣብ መዛዘሚ መስመር በጺሑ  ንዝነበረ ናይ ዓቐብ ነጥብታት ኣኻኺቡ ግዜ ከሲቡ ድማ ድርብራብ ዓወታት ተጎናጺፉ።

ዘመንፈስ ሰለሙን
ዕዉት 5ይ መድረኽ ዙር ኤርትራ
ዕዉት ማልያ ንጉስ ዓቐብ
ዕዉት ማልያ ብሉጽ መንእሰይ
ዕዉት ብዓቢኡ ዙር ኤርትራ 2017

፨ ሜሮን ተሾመ ብሉጽ ቮላቲስታ ዙር ኤርትራ 2017 ክኸውን እንከሎ ሃጋራዊት ጋንታ ኤርትራ
ድማ ካብ ጋንታት ብልጽቲ ጋንታ ኮይና ተዓዊታ ኣላ።