ምድልዳል ዞባዊ ሰላምን ምሕዝነትን

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሰሪ መስሕብ ሓያላን ስትራተጂያውነቱ፡ ካብ ምብቃዕ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ (መፋርቕ 20 ክፍለ-ዘመን) ጀሚሩ፡ ብኣዝዩ ኣዕናዊ ተሞኩሮ እዩ ሓሊፉ። ንስለ ግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ ሓያላን ተባሂሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ጎበጣን ዘስዓቦ ነዊሕ ሓርነታዊ ኲናትን፣ ናይ ዝሑል ኲናት ውጽኢት ውግእ ሶማልን ኢትዮጵያን፣ ግጭት ሰሜንን ደቡብን ሱዳን፥ ኲናት ሓድሕድን ሕንፍሽፍሽን ሶማል፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ንጃንዳ ወያነ ብምልኣኽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሃቀነ ድፍረት፥ መርዛም ዓሌታዊ ፖለቲካ ወያነ፡ ዘስዓቦ ውሽጣዊ ምትፍናንን ህዝብታት ኢትዮጵያን ዘኸተሎ ዕጥቃዊን ፖለቲካዊን ተቓውሞ፣ ግብረ-ሸበራዊ መጥቃዕቲታት፣ ገለ ካብቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ሰላምን ቅሳነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓሚሱ፡ ወርቃዊ ግዜን ዕድላትን ህዝብታት’ዚ ዞባ ዘባኸነ ጉሉሕ ክስተታት እዩ።

ድሕሪ’ዚ ዘሕዝን ተሞኩሮን ከቢድ ስምብራቱን፡ ሎሚ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝመጸ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ተኣሳሲሩ፡ ናብ ሓድሽን ፍልይ ዝበለን ምዕራፍ ኣብ ምስግጋር ይርከብ። ሓደ ካብ ዓበይቲ መርኣያታት ናይዚ ሓድሽ ምዕራፍ’ዚ፡ ን20 ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኩነተ-ውግእን ተጻብኦን ኣኽቲሙ፡ ክልቲአን ሃገራት ናብ ሓድሽ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን መድረኽ ክሰጋገራ ምብቅዐን እዩ። ዕዙዝነት ናይዚ ምዕባለ’ዚ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብቲ ብባድመ ተመኽንዩ ዝተወልዐ ናይ 1998-2000 ኣዕናዊ ኲናት ዝደመይዎን ዝኸስርዎን ከይኣክል፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መጋባኣያ ፍርዲ ቀሪቡ፡ ሕጋዊ መዕለቢ ምስ ተገብረሉ እውን፡ ካብ ሕጊ ንምህዳም፡ ጉጅለ ወያነ ብደገፍን ምትብባዕን ኣሸቀልቱ ዝቐጸሎ፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተጻብኦን ሰንፈላል ግዜን ሰጊርካ ዝተበጽሐ ብምዃኑ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ድሕሪ’ቲ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ እዚ ዕድል ወለዶታት ዘኽሰረ ብድሆታት ዞባና፡ ብቐንዱ ኣብ ዘመነ ዝሑል ኲናትን ድሕሪኡን፡ ብመገዲ መጋበርያ ስርዓታት ከባቢና ዝተሰርሓሉ ግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ ሓያላን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ድሕሪ ነዊሕን ዘሕዘንን ምዕራፋት ታሪኽ፡ ዞባና ናብ ሓድሽ መድረኽ ዝሰጋገር ዘሎ፡ ብቐንዱ ሱር ናይቲ ሽግር ብፍሽለት ስለዘብቅዐን ኣብቶም ግዳይ ናይዚ ፖሊሲ’ዚ ዝኾኑ ህዝብታት ኩዂስኰስ ዝጸንሐ ንቕሓት እናበረኸ ስለዝመጸን ምዃኑ ሰፊሕ መረዳእታ ሂቡሉ ነይሩ።

ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዝጸንሐ ኩነተ-ተጻብኦ ከኽትም ጥራይ ዘይኮነ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኩሉ መዳያት ዕብየት፡ ብሽርክነትን ተመላላእነትን ክሰርሓ፣ ዞባዊን ኣህጉራዊን ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ብሓባር ክጽዕታ ምንቃደን ዘበሰረ’ዩ ነይሩ። እቲ ስምምዕ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ ዞባዊ ጽልዋኡ ቀሊል ኣይኮነን። ድሕሪ’ዚ ክልተኣዊ ስምምዕ’ዚ፡ መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም፡ ንኣጠቓላሊ ዞባዊ ምትሕብባር ስሉሳዊ ኣዋጅ ምኽታሞም ዝዝከር እዩ። እዚ ተበግሶ’ዚ፡ ኣብ ሰለስቲአን ሃገራት ከይተሓጽረ ንካልኦት ሃገራት ዞባና ክጽንብር ድማ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ መንግስታት እዚ ዞባ፡ ቀጻሊ ርክባትን ዕቱብ ምይይጥን ክካየደሉ ጸኒሑ ኣሎ።

ምስናይ ከቢድን መሪርን በሰላታት ዝሓለፈ ታሪኽ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ረጊጽዎ ዘሎ ድርኩዂት ሓድሽ ምዕራፍ፡ ንህዝብታት ዞባና ክኸፍቶ ዝኽእል ዕድላት ሰፊሕ እዩ። እዚ ሸቶ’ዚ ክሰምር ድማ፡ ብዓቕልን ትዕግስቲን፡ ብሃናጺ ጽምዶን ስራሕን ክእለዩ ዝግብኦም ብድሆታት ከምዘለዉ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለ፡ “ንረብሓና ኣየገልግልን’ዩ” ብዝብል ቅማረ ዝተሰናበዱ ናይ ርሑቕ ሓይልታት፡ ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ሃሊኾም ከዐውትዎ ዘይክኣሉ ፍሹል ፖሊሲታት ዝፈጠሮ ጭንቀት ተደሚሩዎ፡ ናይ ምሕንኳል ተግባራቶም መጠኑ ነክዩ እምበር መሊኡ ኣየኽተመን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ገለ ውልቀ ሃገራትን ከም ሆላንድን ሽወደንን፡ በጭቕ ክብል ዝተሰምዐ ሒቕታት ሓደ ካብ ምልክትታቱ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዞባና እውን እንተኾነ፡ በዚ ሓድሽ ለውጢ፡ Game-over! ተባሂሉ ዝወደቐ ጉጅለ ወያነ፡ “ዓሻስ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት” ከምዝበሃል፡ ክልል ትግራይ፡ ተቛዳሲት ናይዚ ተኸሲቱ ዘሎ ዞባዊ ለውጢን ምዕባለን ከይትኸውን ጅሆ ብምሓዝ፡ ግዳይ ንምግባራ፡ ኣብ ጸወታ ንድየት ምጽንሑ ርኡይ እዩ። እዚ ናይ ጻዕረ-ሞት ቁዘማን ምዕልባጥን ግን መንኰርኰር ታሪኽ ንድሕሪት ክመልስ ከምዘይክእል ብሩህ’ዩ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ምስግጋር መድረኽ፡ ህዝብታት ዞባና ዘለዎም መተካእታ ዘይርከቦ ምርጫ፡ ኣቓልቦኦም ናብ ትርኪ-ምርኪ ጉዳያት ከይተገዝዐ፡ ናብቲ ዝዓበየን ኣርባሒን ዕላማ ብምቁማት፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ሃዋህው ብኹሉ መዳይ ምድልዳልን ምድንፋዕን ጥራይ እዩ። እዚ ዘሎ ምዕባለታት፡ በቲ ሒዙዎ ዘሎ ቅኑዕ ኣንፈት ዝያዳ ገስጊሱ፡ ራእይን ድሌትን ህዝብታት ዞባና ከስምር፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላማዊ ዝምድና ምሕያልን ምዕዛዝን ናይ ኩሎም መንግስታት ዞባና መድረኻዊ ተልእኾ እዩ። ሓቀኛ ባህጊ ህዝብታት ዞባና ክዕወትን ውሕስነት ክህልዎን፡ ብሓባራዊ ጻዕሪን ሜላን፡ ትርፍራፍ ውዱቕ ፖለቲካ እናቐረምና፡ ንዞባና ካብ ናይ ግጭትን ተጻብኦን ዞባ ናብ ዞባ ሰላምን ምትሕግጋዝን ናይ ምቕያር ዕማም፡ ብዝለዓለ ምትሕብባርን ትግሃትን ክንዋሳኣሉ የድሊ። ሃናጺ ጽምዶ ንድልዳለ ዞባዊ ሰላምን ምሕዝነትን!