መምርሒ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ

ናይዚ ቅንያት’ዚ ተርእዮ ፍሉይ ዝገብሮ ካልእ ኣሰካፌ ረቛሒ’ውን ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ፡ እቲ ቫይራስ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝመጹን ምስኣቶም ርክብ ኣብ ዝነበሮምን ሰባት ጥራይ ተሓጺሩ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ እቲ ቫይራስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምእታውን ምስፍሕፍሕ ከምዝጀመረን ዝእምት እዩ።

ምስዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ኣዝዩ ኣስካፊ ኩነታት እምበኣር፡ ንድሕነት ህዝቢን ሃገርን፡ ንኩሎም መምርሒታት መንግስቲ ብጥብቂ ምትግባርን ተሪር ስጉሚታት ምውሳድን ህጹጽን ዘየላቡን ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። በዚ መሰረት፦ ከም መቐጸልታን መመላእታን ናይ 20 ታሕሳስ መምርሒ፡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም፡ እዚ ዝስዕብ ተወሳኺ መምርሒታት የውጽእ ኣሎ።

1) ክውንዘፉ ኣብ ዘይክኣል ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታዊን ድሕነታዊን ዕማም ዝተዋፈሩ ዜጋታት እንተዘይኮይኖም፡ ሕጂ እውን ኩሉ ሰብ፡ ዘየድሊ ምንቅስቓስ ኣወጊዱ፡ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ክብል ይሕተት። ንዘይተርፍ ስራሕ፡ መግቢ ንምግዛእ ወይ ንህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እንተዘይኮይኑ፡ ብኣጋር፡ ብብሽክለታን ካሮሳን ካልእን ዝግበር ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓሳት ክልኩል ይኸውን።

2) ብዘይካ ምስ ቀረብን ምምስራሕ መግቢን ዝተኣሳሰሩ ትካላት፡ ድኳናት፡ ፎርኖታት፡ መሸጣ እኽልን ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ትካላት ጥዕና፡ ፋርማሲታትን ባንክታትን፡ ካልእ ኩሉ ንግዳዊ ትካላት ክሳብ ካልእ መምርሒ ዝወሃብ ንግዜኡ ተዓጽዩ ይጸንሕ። ክፍሊታት ኤለትሪክ፡ ማይ፡ ተለፎን ደው ይብል። ኣብ ዘይውንዘፍ ዕማማት ዝተዋፈሩ እንተዘይኮይኖም፡ ካልኦት ኩሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ገዝኦም ኮፍ ይብሉ።

3) ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝግበር ምንቅስቓሳት፡ ብዘይካ ናይ መግቢ፡ ካልእ ኣይፍቀድን። ናይ ሕሙማት ምጉዕዓዝ ሓላፍነት ናይ ሚኒስትሪ ጥዕና ዕማም ጥራይ ይኸወን። ናይ ጽዕነት ተሸከርከርቲ፡ ስባት ከጐዓዕዛ ኣይፍቀድን።

4) ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መምርሒታት’ውን እተነጸረ፡ ቀንዲ ኣፍረይትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት (ከም ትካላት ምስናዕ፡ ሕርሻ፡ ሕርሻዊ ምምስራሕ፡ ህንጻ፡ . . . ወዘተ) ስርሖም ክቕጽሉ’ዮም። ኣብ ገጠር’ውን፡ ኣብ ማሕረስን ምርባሕ ጥሪትን ካልእ ኣገዳሲ ልምዓታዊ ስራሕን ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ ስርሖም ክቕጽሉ’ዮም።

5) ኣብ ኩሉ ዝፍቀድ ስራሕን ምንቅስቓስን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምውዳይ፡ ርሕቀት ምሕላው፡ መነጻጽሂ ምቕራብን ምጥቃምን ግዴታ እዩ።

6) ምሉእነት ትግባረ ናይዚ መምርሒ’ዚ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ነፍሲ ወከፍ ዜጋን ስድራቤታትን ዝገብርዎ ነብሰ-ግትኣት፡ ዞባዊ ምምሕዳራት፡ ሓይልታት ፖሊሲን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን በብከባቢኡ ኣብ ምምሕዳራዊ ንጥፈት ዝተሓባበሩ ብመንእሰያት፡ መማህራን፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝቖማ ኮሚቴታት ጥቡቕ ምክትታል ክገብሩ ይግባእ። መምርሒ ዝጥሕሱ ዜጋታት ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም እዩ።

እዚ መምርሒ’ዚ ንወሰንቲ ዝኾኑ ልምዓታዊን ኣገልግሎታዊን ስርሓት ዝዕንቅጽ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዝህልዎ ጽልዋ ግን ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ኣብ ቅድመና ከም ሃገርን ህዝቢን ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድን ሓደገኛን ኩነታት ክንሰግሮ ግን፡ ግድን ብንቕሓት ክትግበር ዘለዎ እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ እቶም ብሉጻት ክብርታትና ተጻዋርነት፡ ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ተዓጢቕና፡ ስግኣትና ክሳዕ መሊኡ ዝቕንጠጥ፡ ኣብ ምግታእ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተራና ክንጻወት መድረኽ ዝጠልቦ ናይ ነፍሲ ወከፍና ዜግነታዊ ሓላፍነት እዩ።

ዓወት ንሓፋሽ!
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም
ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ
26 ታሕሳስ 2020