መልእኽቲ ሚኒስትሪ ሕርሻ
ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ዝርአ ዘሎ ለበዳ ኣንበጣ፣ ብኣዝዩ ሓደገኛ መልክዕን ስፍሓትን ይቕጽል ስለዘሎ፣ ሓረስቶት ዝኣኸለ ዘራእቶም ብኣጋ ክእክቡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ይጽውዕ።
ካብ ዕለት 18 ጥቅምቲ 2020 ኣትሒዙ፣ ካብ ጐረቤት ሃገር ናብ ዞባ ደቡብ ዝኣተወ ወራር ኣንበጣ፣ ኣብ ውሱን ከባቢታት ንኡሳን ዞባታት ዓዲ ቐይሕ፣ ማይ ዓይኒን ጸሮናን ወራር ኣንበጣ ተኸሲቱ ከም ዘሎ፣ ብምውህሃድ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፣ ህዝብን ክኢላታት ሕርሻን ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምውዓሉ ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ከም ዘሎ፣ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።
ኣብ መጻኢ እውን ተኽእሎ ተኸታታሊ ወራራት ኣንበጣ ዓቢ ምዃኑ ተፈሊጡ ስለዘሎ፣ ከም ወትሩ እዝታት ሓይልታት ምክልኻል፣ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳራትን ሕርሻን ድሉውነቶምን ውዳበታቶምን ብምጽፋፍ፣ ንሰራዊት፣ ህዝብን ክኢላታት ሕርሻን ዘጣመረ ውሁድ መኸተ ኣንጻር ወራራት ኣንበጣ ድሉዋት ክዀኑ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብጥብቂ የዘኻኽር።