ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ካይሮ
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ ካይሮ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣሰይድ ሳምሕ ሽኩሪ ተራኺቡ።
ኣብ’ዚ መቐጸልታ ናይ’ቲ ሰብ-መዚ ኤርትራን ግብጽን ዘካይድዎ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ዞባዊ ጉዳያትን ዘተኰረ ስሩዕ ናይ ምምኽኻር ርክብ ዝተላዕሉ ቀንዲ ዛዕባታት፡ ንክልተኣዊ መዳያት ንግድን ወፍሪን ማእከል ዝገበሩ’ዮም።
ክልተኦም ወገናት፡ ኣብ ምዕባለታት ንሓጽቢ ሕዳሰ ብዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ከምኡ’ውን ህልው ምዕባለታት ኢትዮጵያ እውን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።