ዘመንፈስን ኤሪቴልን ተዓወትቲ ዋንጫ ናጽነት ኮይኖም
ብፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ዞባ ማእከል ዝተወደበ ዋንጫ ናጽነት 2017፡ ብሰንበት ኣብ ከባቢ ሰነማ ሮማ ምዝዛሙ ዝፍለጥ’ዩ፣ ተቐዳደምቲ ቀዳማይ ዲቪዥን 132 ኪሎሜተር እዮም ሸፊኖም፣ እቲ ዝተኻየደ ውድድር፡ ኣብ ድሮ ሻምፕዮን ኤርትራ ምስ ምዃኑ፡ ተቐዳደምቲ ዞባ ማእከል ብቝዕ ድሉውነት ዘርኣዩሉ ነይሩ፣ኣብዚ ክልተ መድረኻት ዝሸፈነ ውድድር፡ ብውህሉል ነጥቢ ተቐዳዳማይ ኤሪቴል ዘመንፈስ ሰለሙን ተሸላሚ ኾይኑ፣ ሙሴ ካብ ሰምበልን ሚኪኤል ሃብቶም ካብ ኤሪቴልን ድማ ካልኣይን ሳልሳይ ወጺኦም፣ ብደረጃ ጋንታ ክለብ ኤሪቴል ብዓብላሊ ነጥቢ ንዋንጫ ናጽነት ወኒናታ፣ኣብ ካልኣይ ዲቪዥን፡ መድሃኔ ወልዱ ቀዳማይ ብምዃን ተሸሊሙ፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ናይ ኤሪቴልን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ ኣስቤኮን ንዕኡ ተኸቲሎም ንሽልማት ዝበቕዑ ተቐዳደምቲ እዮም፣ ብጋንታ ድማ ኣስቤኮ ተዓዊታ፣ደቂ ኣንስትዮ ተቐዳደምቲ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዝሓሸ ውድድር ዘርኣያሉ መድረኽ እዩ ነይሩ፣ ተቐዳዳሚት ዓራግ ወጋሕታ ገብረሂወት ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ጓል ጋንታኣ ሞሳና ደበሳይ ካልኣይቲ፡ ወሓዚት ኪዳነ ካብ ጋላ-ነፍሒ ድማ ሳልሰይቲ ኮይነን ውድድረን ፈጺመን፣ ኣብዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር፡ ብደረጃ ጋንታ ንዓወት ዝበቕዐት ዓራግ እያ፣
ኣብ ውድድር ሳልሳይ ዲቪዥን፡ ግርማይ ዮሃንስ ካብ ናትና፡ ኣማኑኤል ረዘነ ካብ በሪኽ ከምኡ’ውን ቶማስ ጐይትኦም ካብ ጐዳይፍ ቀዳሞት ሰለስተ ብምዃን ተሸሊሞም፣ ገዳይም ተቐዳደምቲ ካብ ዘካየዱዎ ውድድር ድማ ዮናስ ዘካርያስ 1ይ፡ ቶማስ ቴድሮስ 2ይ፡ ተኽሊት ኢሳቕ 3ይ ወጺኦም፣ ክለብ ደንደን ብዘይካ ኣብ ደቂኣንስትዮን ካልኣይ ዲቪዝንን፡ ኣብዚ ናይ ናጽነት መድረኽ ብውልዶ ተቐዳደምቲ ኣብ ቀዳማይ ዲቪዥን ተሳቲፋ ዝንኣድ ብቕዓት ስለዘርኣየት፡ በቲ ፈደረሽን መተባብዒ ዋንጫ ተበርኪቱላ፣ ብዘይካ’ዚ፡ ናብ ክለብ ሰምበል ተጸንቢሩ ዘሎ ተቐዳዳማይ ሜሮን ኣማኑኤል፡ ኣርባዕተ ምሉእ ዕጥቅታት ንተቐዳደምቲ ከምዘበርከተ ህዝባዊ ርክባት ፈደረሽን ብሽክለታ ዞባ ማእከል ሓቢሩ፣