ክለብ ኤሪተል ሎሚ ኣብ ታሪኻ ፈላሚ ናይ ርሑቕ ምብራቕ ውድድራ ከተካይድ’ያ
ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቻይና ዘቕንዐት ክለብ ብሽክለታ ኤሪተል፡ ሎሚ 111.3 ኪሎሜተር ብምሽፋን ናይ ቀዳማይ መድረኽ ጸወታኡ ኣብ ዘካይድ ዙር ቻይሁ ሌክ ክትጽመድ እያ፣ክሳብ 17 ጥቅምቲ ኣብ ቻይና ዝካየድ እቲ ኣህጉራዊ ውድድር ብዓለማዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ( U.C.I ) ናይ 2.1 ደረጃ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ክለብ ኤሪተል ድማ ናይ ፈለማ ናይ ርሑቕ ምብራቕ ውድድር ኮይኑ ኣብ መዝገብ ክሰፍር እዩ፣ ነቲ ሸሞንተ መድረኻት ዘጠቓልል ኣህጉራዊ ቅድድም ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ምድላዋት ዘካየደት ክለብ ኤሪተል ኣቐዲማ ኣብ ቻይና ምእታዋ ንኩነታት ናይቲ ውድድር ንምጽናዕ ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ልምምድ ንምክያድ ከምዝሓገዛ ዓላሚኣ ኣኽሊሉ ሃይለ ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ገሊጹ፣ንሱ፡ ኣብቲ ውድድር ስሙያት ተቐዳደምቲ ከመዘለዉ ኣብ ርእሲ ምሕባሩ ብርክት ዝበላ ጋንታታት ምስታፈን እውን ልዑል ተወዳዳርነት ክረኣዮ ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ኣረዲኡ፣ንተቐዳደምቲ ሜሮን ኣብርሃም፡ ዘመንፈስ ሰለሙን፡ ሚኪኤል ሃብቶም፡ ሚልዮን ኣማኑኤል፡ ዳንኤል ሃብተሚካኤልን ሲራክ ተስፎምን ዝሓዘት ክለብ ኤሪተል፡ ኣቐዲማ ኣብ ውድድራት ዙር ቡርኪናፋሶ፡ ኣብ 2007 ኣብምስሪከምኡድማኣብ2012ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ምስታፋ ይዝከር፣ኣብዚ ናይ ቻይና ውድድር፡ ሸሞንተ ፕሮፈሽናል ጋንታታት፡ 16 ድማ ኮንቲነንታል (ባይክ ኤይድ እትርከበን) ክለባት ክሳተፋ ምዃነን ዝተፈላለያ መርበብ ሓበሬታት የረድኣ፣