ኵነተ ዓለምናን ዝቕሰሞ ልቦናን : ትንታነ

ኵነተ ዓለምናን ዝቕሰሞ ልቦናን

ትንታነ

ዓመተ 2016፡ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ምዕባለታት ዞባና ማለት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን፡ ከምኡ’ውን እቲ ብቐረባ ዝጸልወና ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ሕማቕ ናብ ዝበኣሰ ዝዓረገሉ ዓመት እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ የመን፡ ኣብ መንጎ’ቲ ብሱዕድያ ዝምራሕ ኪዳንን ብኢራን ዝድገፍ ምንቅስቓስ ሑተይንን ዝተወልዐ መጠነ ሰፊሕ ኲናት፡ ንዓመት መመላእታ ብዘይምቁራጽ ምቕጻሉ ዝፍለጥ እዩ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ህዝቢ ዝቐዘፈን ካብ መንብሮኡ ዘፈናቐለን ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን እውን መጠኑ እኳ እንተጎደለ፡ ኣብቲ ሃገር ተፈጢሩ ዝርከብ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ዞባዊን ዓለማዊን ሓላላኺ ረቛሒታት ተሓዊስዎ፡ ብቐሊሉ ፍታሕ ዝርከቦ ኣይመስልን። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ውልዕ ጥፍእ እናበለ ክርአ ዝጸንሐ ተቓውሞ ህዝቢ ኣንጻር ስርዓት ወያነ፡ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ ብምዕራግ፡ ዓመተ 2016፡ ኢትዮጵያ ንኣዋርሕ ብዝቐጸለ፡ ብዙሕ ህይወት ሰብ ዝቐዘፈን ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ዘዕነወን ሰፊሕን ሓያልን ህዝባዊ ተቓውሞ ዝተሃወጸትሉ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ ሶማል ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ፡ ምስ ምምስራት መንግስቲ ሶማል ገለ ምዕባለታት እኳ እንተኣርኣየ፡ መጥቃዕቲታት ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት መንግስቲ ሶማልን ኣብ ልዕሊ’ቶም ብስም ዓቃብ ሰላም ኣብታ ሃገር ሰፊሮም ዝርከቡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ኡጋንዳን ፈጺሙ ኣየቋረጸን።

ዘይርጉእ ኩነታት ሶማልን ካብኡ ዝምንጩ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲታትን ከኣ ንጸጥታ ጎረባባቲ ሃገራት ዝህድድ ስግኣት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብቲ ብቐረባ ዝጸልወና ዞባ ማእከላይ ምብራቕ እንተርኣና እውን፡ ህዝብታት ሶርያ፡ ዒራቕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ህዝቢ ሊብያ ንዓመተ 2016 ኣብ ትሕቲ ሓያል ኲናት ሓድሕድን ዘየቋርጽ ሽበራዊ መጥቃዕቲታትን እዩ ሓሊፉዋ።

ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ጸገማት’ዚ፡ ኩሉ መዳያዊ ዕብየትን ልምዓትን ናይ’ዘን ሃገራት ተሓኒቑ፡ ህዝብታት’ዚ ዞባ ንዝኸፍአ ጥሜት፡ ድሕረት፡ ድኽነትን ገዚፍ መጠን ስደትን ተቓሊዖም ይርከቡ። እዚ ግጭታት’ዚ ዝጠንቁ ስደትን ፍልሰትን ኣህዛብ ድማ፡ ንንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምቹእ ባይታ ፈጢሩ፡ ዝተወደበ ኣህጉራዊ ገበናት ፍልሰት፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣዳም ብዝያዳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዘውርዶ ዘሎ መከራ፡ ጭንቅን መቕዘፍቲን ማእለያ የብሉን።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዞባ ክትነብር ዝህልዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣቕሊልካ ክረአ ኣይክእልን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዑል ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ዘተኣማምን ውሽጣዊ ጸጥታን ሰላምን ዘረጋገጸ ብምዃኑ ፍሉይነት እኳ እንተለዎ፡ ዝገጠሞ ብድሆ ግን ቀሊል ኣይነበረን። እኳ ድኣ፡ ብብዝሑን ክብደቱን መዳርግቲ እውን ዝርከቦ ኣይኮነን። ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 18 ዓመታት፡ ሰላም ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ፡ ልኡላውነቱ ንምድፋር፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ንምዝራግ፡ ቁጠባዊ ዕብየቱን ልምዓቱን ንምሕናቕ፡ ብዝተራቐቐ መርበባት ፍልሰት ኣእምሮን ጉልበትን ዜጋታቱ ንምጽንቃቕ፡ ብግዳም ክፍተን ዝጸንሐ ዘየቋርጽ ተጻብኦታትን ሽርሒታትን፡ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ። የግዳስ እቲ ሃቐነ ከም ባህጊ ሃንደስቱ ኣይከደን። ሃስያ ኣየውረደን እኳ እንተዘይተባህለ ዕላማኡ ኣይወቕዐን። ስለምንታይ? እንተድኣ ኢልና መልሱ ንጹር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሳላ’ቲ ብዙሓት ህዝብታት ክውንንዎ ዘይክኣሉ ፖለቲካዊ ብቕዓቱ፡ ኣብ ነዊሕን መሪርን ሓርነታዊ ቃልሱ ዘማዕበሎ ውዳበ፡ ዝነደቖ ሓድነት፡ ዘማዕበሎ ናይ መኸተ ያታ፡ ንኹሉ ዝተኣልመ ውዲታትን ሽርሒታትን ተሪሩ ብምምካት ከምዘይሰርሕ ገይርዎ እዩ። በቲ ምስኩር ሃገራዊ ጥምረቱን ንቕሓቱን ንግዳማዊ ሽርሒን ተጻብኦን ነቓዕ ስለዘይከፈተ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ተዛማዲ ህድኣት፡ ሃሙን ቀልቡን ኣብ ልምዓት ኣቕኒዑ፡ ኣብ ዕዮ ገዝኡ ክጽመድ ዕድል ረኺቡ፡ ምስናይ ኩሉ ንምዕንቃፉ ዝተኻየደ ጻዕርታት፡ ብዙሕ ዕዮታት ከሳልጥ ክኢሉ ኣሎ።

እዚ ይኹን’ምበር፡ተጻባእቲ ሕጂ እውን በቲ ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጾ ክኢሉ ዘሎ ሰላምን ርግኣትን፡ ዘርእዮ ዘሎ ልምዓታዊ ገስጋስ፡ ሕጉሳት ክኾኑ ኣይሕሰብን። ስለዚ ድማ፡ ተጻብኦታቶም ክቕጽል ምዃኑ ኣየማትእን። መንእሰያት ኤርትራ እምበኣር፡ ከም መሪሕን ዋልታን ሕብረተሰብ መጠን፡ ነዚ ኩነታት’ዚ ብዕምቈት ብምግንዛብ፡ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ርጉእ ኩነታት ክንነብር ዘኽኣለና ብልጫታት ኣጽኒዕና ብምሓዝ፡ ካባና ዝሕተት መድረኻዊ ተልእኾና ብብቕዓት ንምፍጻም ፖለቲካዊ ንቕሓትናን ትኩርነትናን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ከነሐይል የድልየና። ነዚ ንምግባር ነቶም ወሰንቲ ረቛሒታት ሃገራዊ ድሕነትን ርግኣትን ክፈልጦምን ብዕምቈት ክርድኦምን የድሊ፥

ወሰንቲ ረቛሒታት ሃገራዊ ድሕነትን ርግኣትን

ኣብ ጎዶቦና ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ተፈጢሩ ዝርከብ ሕንፍሽፍሽን ባዶሽን፡ ብቐንዱ ብሰንኪ ዘይቅኑዕ፡ ሓልዮት ህዝብታት ዘይብሉ ገባቲ፡ መዝማዚን ዓብላሊን ፖሊሲ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለምና ዝመጸ እኳ እንተኾነ፡ ሰንኰፍ ሃገራዊ ጥምረትን ንግዳማዊ ምትእትታው ዝዕድም ዘቤታዊ ስንፍናን ፖለቲካዊ ዘይብቕዓት እውን ናቱ ዘይንዓቕ ግደ ነይሩዎ እዩ። ኩሉ’ዚ ዝተጠቕሰ ግጭታትን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግሃድ ዘሎ ተቓውሞ ህዝብታትን ሃገር ብሃገር ነናቱ ፍሉይነታት ይሃልዎ እምበር፡ ሓፈሻዊ ጠንቁ ሓደ ካብቲ ካልእ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን። ነዚ ሓቂ’ዚ ብዕምቈት ንምርዳእ፡ ወሰንቲ ረቛሒታት ንርግኣት ሃገርን ሕብረተሰብን እንታይ ምዃኖም ምርኣይ ኣገዳሲ ይኸውን።

ከምዝፍለጥ ሰባት ካብ ካልኦት ፍጡራት ዝፍለይሉ፡ ቀንዲን ዝዓበየን ረቛሒ ሓባራዊ ህይወት ዝመርሑ ምዃኖም እዩ። ሃገር ማለት ከኣ፡ ንሓደ ውሱን ክፋል መሬት ተቘጻጺሩ፡ ብምድራዊ፡ ጉልበታዊን ኣእምሮኣዊን ጸጋታቱ ድሕነቱን ኩሉ መዳያዊ ረብሓታቱን ከውሕስ፡ ዓይነት ህይወቱ ከመሓይሽን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ ክበጽሕን ዝተወደበ ናይዚ ዘለናዮ ዘመን ዝለዓለ ጥርናፈ ደቂ-ሰብ እዩ። 

ብመንጽር’ዚ ዕላማ’ዚ ክርአ እንከሎ፡ ባህጊ ናይ ኩሎም ህዝብታትን ሃገራትን ሓደ እዩ። ኣብ ትሕቲ ውሑስ ሃዋህው፡ ዓይነት ህይወት ምምሕያሽ እዩ። ይኹን’ምበር እዚ ዕላማ’ዚ፡ ብኣድማዕነት ተሰሪሕሉ ሸቶኡ ክወቅዕ ሕብረተሰብኣዊ ርግኣትን ውህደትን ወሳኒ እዩ። ስለዚ ድማ ነቶም ወሰንቲ ረቛሒታት ርጉእ ማሕበራዊ ህይወት ምፍላጥን ንትግባረኦም ብተወፋይነት ምስራሕን ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገርን ሃገራውነትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን። ወሰንቲ ረቛሒታት ርግኣት ኣብዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኣምራት ክጠቓለሉ ይኽእሉ፡

  1. ሃገራዊ ስኒት

ሃገራዊ ስኒትን ውህደትን፡ ዕላማታት ህዝቢን ሃገርን ብኣድማዕነት ንምውቃዕ ዘኽእል ወሳኒ ረቛሒ እዩ። የግዳስ ብቐሊሉ ዝርከብ ጸጋ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ሃገር ናይ ምዃን መስርሕ፡ ነዊሕን ዝተሓላለኸን እዩ። ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፡ ብሕልፊ ድማ እተን ብዘገምታዊ መስርሕ ዘይመጻ፡ ብሓይልታት መግዛእቲ ዝቘማ ሃገራት፡ ኣብ ውሽጠን ዝተፈላለዩ ኤትኒካውን ቋንቋኣውን፡ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ኣቋውማ ዘለወን እየን። እዚ ዓይነት ኣቋውማ’ዚ ንዕማም ምህናጽ ሃገር ከቢድ ካብ ዝገብሮ ረቛሒታት ሓደ እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ናይ ብሓቂ ብቑዕ ሃገር ንምህናጽ ዝሕልን ህዝቢን መንግስቲን፡ ንዜጋታቱ ብዘይ ኣፈላላይ ወገን፡ ቀቢላ፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ደርቢ ወዘተ. ብስኒትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ከምዝነበባሩ እናገበረ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ውህደት ዝበጽሕሉ፡ መሰረታዊ ዕላማታትን መገዲታትን ምንጻር የድልዮ። ጽቡቕ ድሌትን ንቕሓትን ምህላው፡ ሕግታትን ፖሊሲታትን ምርቃቕ፡ ደራኺ ኣበርክቶ ይሃልዎ እምበር፡ መሰልን ማዕርነትን ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ብደረጃ ክልሰሓሳብ ኣብ ሃገራዊ ሕግታት ብምስፋሮም ጥራይ ግን ሃገራዊ ስኒት ይረጋገጽ ማለት ኣይኮነን። ንትግባረኡ፡ ጽኑዕ መብጽዓን ተወፋይነትን ናይ ህዝቢን መንግስቲን ይሓትት። እዚ ዓቢ ዕላማ’ዚ ብቐጻሊ ጎስጓስ፡ ባህላዊ ስራሕን ስርዓተ ምቁጽጻርን እናተዀልዐ ዝኸደሉ ኩነት ምፍጣር የድሊ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝበዝሕ ግዜ ፍሽለት ናይ ሃገራት ኣብ ዕላማን መረዳእታን ዘይኮነ፡ ኣብ ዓቐን ተወፋይነት ንትግባረኡ እዩ።

  1. ቁጠባዊን ማሕበራዊን ፍትሒ

ፍትሓዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ብዘይ ምዕቡልን ፍትሓዊን ቁጠባዊ ስርዓት ክህነጽ ኣይክእልን እዩ። ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ድማ ብዘይ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ደሞክራሲ መሰረት የብሉን። ስለዚ ንዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓት ዝውስን ትሕተ-ቅርጺ እቲ ቁጠባዊ ስርዓት እዩ። ፖለቲካዊ ድሌታትን መብጽዓታትን ብዘየገድስ፡ ንኹሉ ዘሳትፍን ዘርብሕን ኣብ መላእ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓያል ሃገራዊ ቁጠባ፡ ምዕሩይ ኣከፋፍላ ሃብቲ ሃገርን ጥዑይን ፍትሓዊን ካብ ብልሽውና ናጻ ዝኾነ ምሕደራ እንተዘየሎ፡ እቲ ድሌትን መብጽዓታትን ዘይግብራዊ እዩ። በዚ ምኽንያት ህንጸት ሃገርን ምምሕያሽ ዓይነት ህይወት ሕብረተሰብን፡ ተነጻጺሉ ክርአ ዘይክእል መስርሕ እዩ። ህንጸት ሃገር ብዘይ ሱታፌ መላእ ህዝቢ ዘይክኣል ዕማም ክኸውን እንከሎ፡ ዕዙዝ ሱታፌ ህዝቢ ከኣ ብዘይ ናብ ህዝቢ ዝቐንዐ ጭቡጥ ልምዓታዊ መደባት ክፍጠር ኮነ ቀጻልነት ክህልዎ ዘይሕሰብ እዩ።

ብቑዕን ኣድማዕን ሃገር ንምህናጽ ዝሕልን ህዝቢን መንግስቲን እምበኣር፡ ኣድልዎን ህመሻን ኣወጊዱ፡ ሱታፌን ማዕርነትን ኩሎም ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ ጉዳይን ኣብ ምቕርሐ ጸጋታትን ዘረጋግጽ ዕላማታትን መትከላትን ምንጻር የድልዮ። ነዚ ብግብሪ ዘረጋግጽ ፖሊሲታትን ሕግታትን ምሕንጻጽን ንትግባረኡ ብተወፋይነት ምስራሕን ድማ ይሓቶ። ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ብሕጊ ዝተረጋገጸሎም መሰል ክጥቀምሉን ክረብሕሉን ዘኽእሎም ዓቕሚ ንኽድልቡ እውን፡ ነቲ ዝደሓረ ወይ ዝተወጽዐ ወገን እወታዊ ኣድልዎ ወይ ፍሉይ ቆላሕታ ብምግባር፡ መስርዕ ከይቈረጸ ማዕረ’ቶም ዝቐደሙ ንኽስጉም ድርኺት ክገብር ክኽእል ኣለዎ። ብሓጺሩ ቁጠባዊ ዕብየት ፍትሓዊ ዝኾነሉ ባይታ ክፍጥር ኣለዎ። መለክዒ ፍትሓውነት ከኣ፡ ምዕሩይነት ምዕባለ ኣብ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ እዩ።

  1. ሓርነት መስመር

ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ዝኾነ ህዝቢን ሃገርን ካብ ከባቢኡን ዓለምን ተነጺሉ ከረጋግጾ ዝኽእል ምዕባለ ድሩት እዩ። ስለዚ ድማ፡ ንቁጠባዊ፡ ንግዳዊ፡ ባህላዊን :ቴክኖሎጂያውን :ምዕባለ ግዳማዊ ርክባትን ኣገዳሲዮ እዩ።

ይኹን’ምበር እዚ ርክባት’ዚ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዘለዎ እዩ። ኣብ ዓለምና ኣብ መንጎ ምዕቡላትን ገና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን ዘሎ ዝምድናታት፡ ብቐንዱ ናብ ምዝመዛ ዝቐንዐ፡ ዘይምዕሩይን ዘይፍትሓዊን እዩ። ዘይምዕሩይ ጥራይ ዘይኮነ እውን፡ ፖለቲካውን ቁጠባዊን ጽግዕተኛነት ኰስኲሱ፡ ነቶም ድኹማት ናብ ግዙኣት ቀይሩ፡ ኩለንተናዊ ቁጽጽር ከረጋግጽ ዝህቅን እዩ። እዚ ዘይፍትሓዊ ዝምድናታት’ዚ ከኣ፡ ምስ ብዙሕ ፖለቲካዊ ሽርሒታትን ተንኰላትን ተሓላሊኹ፡ ንብዙሓት ሃገራት ረሚሱ ናብ ጎደና ውድቀት ዘምርሐ እዩ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓለማዊ ክውንነት እምበኣር፡ ካብ ጽግዕተኛነት ሓራ ዝኾነ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን መስመር ክትክተል ፖለቲካዊ ድልየትን ንትግባረኡ ልዑል ትብዓትን ይሓትት። ምኽንያቱ እተን ሃብቲ እንዳማተን ብጥርሑ ምጉሕጓሕ ዝለመዳ ሃገራት ዝድግፍኦ ምርጫ ኣይኮነን። የግዳስ፡ እቲ እንኮ ዕላማ ህዝቢን ሃገርን ብኣድማዕነት ክትጭብጥ ዘኽእል መገዲ፡ ጎይታ ናይ መደባትካን ውሳነኻን ምዃን እዩ። ስለዚ ድማ፡ ንምዕባለ ህዝቢን ሃገርን ዝተወፈየ ህዝቢን መንግስቲን ክገጥሞ ብዝኽእል ተጻብኦታት ከይተሰናበደ ኣብቲ ሓራ ፖለቲካውን ቁጠባዊን መስመር ብጽንዓት ረጊጹ ክጓዓዝ የድልዮ። ነዚ ጉዕዞ ብዓወት ክኸዶ ድማ፡ ብኹሉ መዳይ ርእሱ ዝኽእለሉ መገዲ ክበላሓትን ክጽዕርን የድልዮ። ኣብ ዓለምና እተን ዕውታት ኮይነን ዝወጻ ሃገራት፡ እተን ብጽንዓት ኣብ ሓራ መስመር ረጊጸን ዝተጓዓዛ ኪኾና እንከለዋ፡ እተን ሓርነተን ዝሸጣ ግን፡ ንኹለንተናዊ ውድቀት ክቃልዓ ብግብሪ ዝርአ ዘሎ እዩ።

ርግኣት ሕብረተሰባት እምበኣር፡ ኣብዞም ብሓጺሩ ዝተገልጹ ሰለስተ ወሰንቲ ረቛሒታት፡ ማለት ሃገራዊ ስኒት፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ፍትሒ፡ ሓርነት መስመር ዝምርኰስ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ፡ ግጭታት፡ ተቓውሞ ኣህዛብን ዘይምርግጋእን በዚ ስለስተ መለክዒታት ክጥመት እንከሎ ዘቤታውን ግዳማዊን ጠንቅታቱ ንምርድኡ ኣየጸግምን።

You may also like...