4ይ መድረኽ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2019፡ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ – ሓንቲ ወርቂ እትርከቦ 4 ሜዳልያታት ዓቲራ
ሎሚ 18 መጋቢት ኣብ ዝቐጸለ 4ይ መድረኽ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2019፡ ኣብ ናይ ጽርግያ ናይ መንእሰያት ቅድድም፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ – ሓንቲ ወርቂ እትርከቦ 4 ሜዳልያታት ዓቲራ።
ካብ መንእሰያት ደቂኣንስትዮ፡ ዳናይት ጸጋይ 1ይቲ፡ ዮርዳኖስ ርእሶም 3ይቲ፡ ካብ መንእሰያት ደቂተባዕትዮ ድማ፡ ዮኤል ኣስመሮም 2ይ፡ ዮውሃንስ ገብረሂወት 3ይ ተርታ ብምሓዝ ኣብ ፖድዩም ደዪቦም።
ዛጊት ተኻዪዱ ብዘሎ ውድድራት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብ7 ወርቂ 1ይ፡ ኤርትራ ብ3 ወርቂ 2ይ፡ ርዋንዳ ድማ ብ2 ወርቂ 3ይ ደረጃ ሒዘን፡ ጽባሕ ናብ ዝካየድ መዛዘሚ ውድድር ክኣትዋ’የን።