ኤርትራ፡ ጎብለል መበል 14 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኰይና

ኤርትራ፡ ሎሚ 4 ወርቂ ሜዳልያታት ብምሽላማ’ዩ ጎብለል ናይቲ ካብ 14-19 መጋቢት ኣብ ባህርዳር ክካየድ ዝቐነየ መበል 14 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኰይና። ኤርትራ ነዚ ዓቢ ዓወት ዝበቕዐት።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ካብ መንእሰያት ደቂኣንስትዮ ደሴት ኪዳነ፡ ካብ  ‘ኤሊት’ ደቂኣንስትዮ ሞሳና ደበሳይ፡ ካብ መንእሰያት  ሄኖክ  ,ብርሃን፡ ካብ ‘ኤሊት’  ድማ መኽሰብ ደበሳይ ቀዳሞት ብምውጻእ፡ ስሞምን ስም ሃገሮምን ኰሊዖም።

ኣብ’ዚ ናይ ውልቂን ጋንታን ናይ ግዜ፡ ዝተሓናፈጸ ምቅብባል፡ ከምኡ’ውን ናይ ጽርግያ ቅድድም ዘጠቓለለ ውድድር፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሓፈሻ ሸውዓተ ወርቂ ሜዳልያታት ተሸሊማ።