ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሰማእታቱ ሽምዓን ጥዋፍን ብምውላዕ ብሓበን ዘኪሩ

ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ንሰማእታቱ ሽምዓን ጥዋፍን ብምውላዕ ብሓበን ዘኪሩ።

ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቚጸር ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰልፊ ሽምዓ፡ ካብ ጎደና ሰማእታት ብባንድ ምረሻ እናተመርሐ፡ ብጎደና ሓርነት ሓሊፉ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ንርዝነት’ታ ዕለትን ሕድሪ ሰማእታትን ብዘዘኻኽር ስነ- ጥበባዊ መሰናድኦ ማዕሪጉ ኣምስዩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዓመት መጸ እንዝክራ 20 ሰነ፡ ሰማእታትና ዘረከቡና ዕላማ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ መብጽዓና እነሐድሰላ ዕለት ክብሪን ሓበንን ምዃና ብምግላጽ፡ ንስድራ ስዉኣት ዝግበር ሓልዮትን ደገፍን ክቕጽል ተላብዩ።

ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ – ካብ’ቲ ዝነኣሰ ክሳብ’ቲ ዝዓበየ ን20 ሰነ ሽምዓን ጥዋፍን ብምብራህ ንሰማእታቱ ክዝክር ምርኣይ ፍሉይ ሓበን ዝፈጥር ምዃኑ ብምምልካት፡ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር፡ ኩሉ ዜጋ ንዓወት መደባት ጥሙር መኸተ ብተወፋይነት እጃሙ ከበርክት ተላብዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ፡ “ካብ ፈለግ ናይ ታሪኽ” ብዝብልቴማ ዝተዳለወት ስነዳዊት ፊልም፡ ብ18 ሰነ ምሸት ኣብ ጐደና ሓርነት – ኣፍደገ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ብኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ተመሪቓ።

እታ ፊልም፡ ካብ 1896 ክሳብ እዋን ናጽነትን ድሕሪኡን ንዘሎ ናይ ልዕሊ 120 ዓመታት ታሪኽ፡ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሰ ኣብ ልዕሊ 60 ዓድታት ኤርትራ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ከምእተዘንቱ፡ ኣሰናዳኢኣ ስነ-ጥበባዊ ግደይ ገብረሚካኤል ገሊጹ።