ታሪኽ ዝሰነዶ መሪሕ ግደ መንእሰያት
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ጽንኩር መድረኽ፡ እልቢ ዘይብሉ ዕንቅፋታት፡ ተጻብኦታት፡ ዉዲታት፡ ዘመተ ምስይጣንን ተነጽሎን ከየንበርከኾ፡ ዕውት ኮይኑ ክወጽእ ዘኽኣሎ ዝዓበየ ረቛሒ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ሓድነቱን ስምረቱን ኣብ ሓደ ዕላማ እዩ። “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፡ ዕርፊ ኣጽንዕ” ከምዝበሃል፡ ብንቕሓትን ምስትውዓልን፡ ኣብ ሓራ ፖለቲካዊ መስመሩን ኣብ ጎድኒ መንግስቱን ገጥ ብምባል፡ ጸግዒን ዘራይን ከይደለየ፡ ጎድኒ ጎድኒ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን መኸተ፡ ልምዓታዉን ቁጠባዉን ስርሑ እውን ከየወንዘፈ፡ ብገዛእ ዓቕሙ ተዓዊቱ ክወጽእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ታሪኻዊን ፖለቲካዊን ጉዕዞ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክልውጦን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮን ክኢሉ ኣሎ።
እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ እምበኣር፡ ሃንደበት ወይ ብዕድል ዱብ ዝበለ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብዝያዳ፡ ከቢድ ቃልሲ ዘካየደሉ፡ መስዋእቲ ዝኸፈለሉን፡ ብዙሕ ዕድላት ዘጥፍኣሉን እዩ። ዝሓለፈ ዓቕሊ ዝፈታተን ናይ ድርብ መኸተ እዋን፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ማለት፡ ኣብ ምክልኻል ልኡላውነት ሃገርን ልምዓታዊ ስራሕን ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ፡ መሪሕ ግደ ዝተጻወተሉ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ንኹሉ መሰገደላት ሰጊሩ፡ ነቲ ዘኹርዕ ሃገራዊ ታሪኽ ተወሳኺ ርዝነት ዝወሰኸሉ፡ ኣብ ታሪኽ ብወርቃዊ ቀለም ሰፊሩ ዝነብር መድረኽ’ዩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ሞራላዊ ብቕዓቱን ሃገራዊ መንፈሱን ንምድኻም፡ ጥምረቱ ንምዝራግን ንምብትታንን ዝተኣልመ ወዲታት ዋጋ ኣልቦ ብምግባር፣ ሳላ ዘይግቡዝ ስርሑን ረብሓ ሃገር ዘቐድም ተወፋይነቱን፡ ቀዳማይ መንጸፍ ልምዓት ንምውዳድ ብዙሕ ጽዒሩን ሃሊኹን እዩ። እቲ ከም ውጽኢት ውፉይ ጻዕሪ መንእሰያት ምስናይ ኩሉ ተጻብኦታትን ድሩትነት ጸጋታትን ክዕመም ክኢሉ ዘሎ ልምዓታዊ ስርሓት ከኣ፡ ኣብዚ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽን መድረኽ፡ ንስሉጥ ገስጋስ ድልዱል ሰረት ኮይኑ ከምዘገልግል ፍሉጥ እዩ።