ተወዳዳሪ ብቕዓት ዝጠልብ መድረኽ

ዓለም ወትሩ ናይ ውድድር መድረኽ’ያ። ታሪኽናን ታሪኽ ኩሎም ህዝብታትን ከምዝምስክሮ፡ ኣብዚ ናይ ውድድር ዓለም፡ ሕብረተሰብ ድሕነቱ ከውሕስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻልነቱ ውሑስ ምዕባለን ስልጣነን ዘረጋግጽ እውን ብገዛእ ብቕዓቱ እዩ። ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ እምበኣር፡ ከም ህዝቢን...