ሽግ ዋርሳይ’ ዑደት ተካይድ ኣላ

ብምኽንያት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ዑደት ክትገብር ዝተዳለወት ‘ሽግ ዋርሳይ’፡ ብ22 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ካብ’ቲ ዛዛሚ ኲናት ናጽነት ዝተኻየደሉ ጐላጉል ማይ-ዕዳጋ – ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ተበጊሳ። እታ ብባንዴራ ኤርትራን ኣርማ...