ሃማመተኤ፡ ኣገዳሲ ኣካል ህዝባዊ ግንባር’ዩ…

ብጻይ ዑቕባይ ኣብ መፈለምታ ሰሚናሩ፡ ብዛዕባ ሃማመተኤ ክንዛረብ ከለና ብዛዕባ ኤርትራዊ መንእሰይ ንዛረብ ምህላውና ምግንዛብ ከምዘድሊ’ዩ ኣብሪሁ። ብዛዕባ ኤርትራዊ መንእሰይ ክንዛረብ ከለና ድማ፡ ኣካል ናይቲ ሰፊሕ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ምዕባለታት ሕብረተሰብ የእቲና ክንርእዮን...