ቀ/ሚኒስተር ሪፖብሊክ ሱዳን፡ ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ናይ ሐደ መዓልቲ ዋግዓዊ ናይ ስራሕ ንምግባር ሎሚ ኣስመራ አቲዩ
ቀ/ሚ ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፡ ምስ ፕረ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ካልኦት ሰበ-ስልጣን ኤርትራን፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ምዕባለታት ሱዳንን ገስጋሱን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያት ዘትዮም።
ፕረ. ኢሳይያስን ዶክተር ሓምዶክን፡ ኣብ’ዚ ሱዳን ብተኣፋፊ መድረኽ ትሓልፈሉ ዘላ መሰጋገሪ እዋን፡ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምብራኽ ተሰማሚዖም። ቀ.ሚ ሓምዶክ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ፈታኒ እዋን ንህዝቢ ሱዳን ንዝሃበቶ ጽኑዕ ደገፍ ኣመስጊኑ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ካብ ሓፈሻዊ ስምምዕ ናብ ዝርዝራውን ጭቡጥን ስምምዓትን መደባትን ክሰጋጋር ምእንቲ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ቀጻሊ ስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።