ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ ገምጋም ስራሕ ብምክያድ ሓድሽ ውጥን ስራሕ ኣጽዲቑ
ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ “መንእሰይ ይንቃሕ፣ ይወደብ፡ ይተዓጠቕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ26ን 27ን ጥሪ ኣብ እምባትካላ – ኣዳራሽ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ኣብ ዘቃነዖ ኣኼባ፡ ናይ ዓመተ 2014 ንጥፈታቱ ብምግምጋም ናይ 2015 ውጥን ስራሕ ኣጽዲቑ። ኣብቲ ኣስታት 300 ሓለፍቲ፡ ካድራትን ወከልቲ መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ተሳታፍነትን መንእሰያት ንምሕያልን ብቑዓት ሓላፍነታውያን ካድራት ንምምልማልን ዝተኻየደ ስራሓት፡ ሃገራዊ ክብርታት ንምዕቃብን ንምምዕባልን ዝተሳለጡ ንጥፈታት፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርትን ኮለጃትን ኣብ ምስልጣንን ምክትታልን ሕመረታት፡ ካድራትን ኣካየድቲ ኣካልን ዝተዓመ መደባት፡ ዝተወደቡ ስልጠናታት ከምኡ’ውን ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታት ንምሕያል ዝተሰላሰሉ ስራሓት ብደቂቕ ተገምጊሞም። ሃማመተኤ ንጥፈታቱ ብዕምቈት ድሕሪ ምግምጋም፣ ዝነበረ ብልጫታትን ድኻማትን ኣለልዩ፣ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ዓይነታውያን መንእሰያት ንምህናጽን ብቑዓት ሓላፍነታውያን ካድራት ንምምልማልን ብዕቱብ ክሰርሕ፣ ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ቊጠባዊ ልምዓትን ካልእ ሃገራዊ መደባትን ዘሐይል ንጥፈታት ክካየድ፣ ስልጠናታት ብሰፊሑ ክድፋኣሉ፣ ክለባት መሪሕን ሚኒሚድያን ኣብ ኩለን ጨናፍር ኣብያተ-ትምህርቲ 2ይ ደረጃ ክቖማ ዝብሉን ካልእ መደባትን ሒዙ ክነጥፍ ምዃኑ ተገሊጹ። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፣ ኤርትራ ናጻ፣ ልኡላዊት፣ ብልጽግቲ፡ ክብረት ዜጋታታ እተውሕስን ድሌት ዜጋታታ እተማልእን ክትከውን ክካየድ ኣብ ዝጸንሐን ዘሎን ቃልሲ መንእሰያት መሪሕ ተራ ክጻወቱ ብምዝኽኻር፡ ሃማመተኤ ሒዝዎ ዘሎ መደባት ስራሕ ብደረጃ ሃገር ዓቢ ቆላሕታን ጠመተን ዝተገብረሉ ብምዃኑ፣ ኣፍራይነት ዝዓብየሉን ምምልማል ካድራት ዓይነታዊ ዝኾነሉን ሜላታት ከተኣታቱ ብምልባው፣ ንዝያዳ ኣድማዕነት ምስ መሻርኽቲ ተወሃሂዱ ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ። ኣስዒቡ ኣቶ የማነ፡ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ብዘጋጠመ ወራርን ቀጻሊ ተጻብኦታትን ጽንኩር’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ 2015 ግን መሊእና ሰጊርናዮ ኢና’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ናብ ራህዋ ገጽና ክንጥምት ኣብ እንኽእለሉ ሓድሽ መድረኽ በጺሕና ምህላውና ኣስሚሩሉ። ኣብ መዛዘሚ’ቲ ኣኼባ ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፣ ሕቶ መንእሰይ ዝዓበየ ሕቶ ሃገር ምዃኑ ጠቒሱ፣ ማሕበር – መንእሰይ ንምንቃሕ፣ ንምውዳብን ንምዕጣቕን ሒዝዎ ኣብ ዘሎ ሰፋሕቲ መደባት፡ ኩሎም መሻርኽቲ ምትሕብባሮም ከዛይዱ ተላብዩ።